Psalms (85/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድርኻ ሞገስ ገበርካላ፡ ንቤት ያእቆብ ካብ ምርኮ መለስካዮም።
2. ኣበሳ ህዝብኻ ሐደግካ፡ ንብዘሎ ሓጢኣቶም ከደንካ። ሴላ።
3. ንዂሉ መዓትካ ኣርሐቕካዮ፡ ካብ ንደት ቊጥዓኻ ተመለስካ።
4. ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምለሰና፡ ንዂራኻውን ካባና ኣትርፎ።
5. ንዘለኣለምዶ ኽትኲርየልና? ኲራኻስ ንውሉድ ወለዶዶ ኸተንሕ ኢኻ?
6. ህዝብኻ ብኣኻ ኺሕጐስሲ፡ መሊስካዶ ህይወት ኣይክትህበናን ኢኻ?
7. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸጋኻ ኣርእየና፡ ምድሓንካውን ሀበና።
8. ናብ ዕሽነት ደኣ ኣይመለሱ እምበር፡ ንህዝቡን ቅዱሳኑን ሰላም ኪዛረቦም እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚብሎ ኽሰምዕ እየ።
9. ብሓቂ ኣብ ሃገርና ኽብሪ ኺሐድርሲ፡ ምድሓኑ ነቶም ዚፈርህዎ ቐረባኦም እዩ።
10. ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፡ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ።
11. ሓቂ ኻብ ምድሪ ኽትበቊል፡ ጽድቂውን ካብ ሰማይ ክትጥምት እያ።
12. እግዚኣብሄር ድማ ሰናይ ኪህበና እዩ፡ ሃገርናውን ፍርያታ ኽትህብ እያ።
13. ጽድቂ ቐቅድሚኡ ኽትከይድ፡ ኣስኣሰሩ ኸኣ ክትስዕብ እያ።

  Psalms (85/150)