| ← Psalms (84/150) → |
| 1. | ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን። |
| 2. | ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፡ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ። |
| 3. | ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፡ ለዃዂቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፡ መሰውኢታትካ፡ ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ንጉሰይን ኣምላኸይን። |
| 4. | ኣብ ቤትካ ዚነብሩ ብጿን እዮም፡ ኲሉ ጊዜ ይውድሱኻ።ሴላ። |
| 5. | ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፡ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም። |
| 6. | ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፡ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፡ ዝናም ኣዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ። |
| 7. | ካብ ሓይሊ ናይ ሓይሊ ይኸዱ፡ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ። |
| 8. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ጽን በል። ሴላ። |
| 9. | ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፡ ርኤ፡ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት። |
| 10. | ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፡ ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ። |
| 11. | እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፡ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ። |
| 12. | ዎ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ። |
| ← Psalms (84/150) → |