| ← Psalms (83/150) → |
| 1. | ዎ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ዓባስ ኣይትኹን፡ ዝግ ኣይትበል። |
| 2. | እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ እሞ፡ |
| 3. | ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ። |
| 4. | ህዝቢ ኸይኰኑ፡ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ ንዑ፡ ነጽንቶም፡ ይብሉ ኣለዉ። |
| 5. | ሐቢሮም ተማኺሮም፡ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፡ |
| 6. | ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን ኣጋራውያንን፡ |
| 7. | ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፡ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፡ |
| 8. | ኣሶር ድማ ሐቢርዎም፡ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ሴላ። |
| 9. | ከምቲ ንምድያን፡ ንሲሰራ፡ ንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም። |
| 10. | ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡ፡ ንምድሪ ኸኣ ድዂዒ ዀንዋ። |
| 11. | ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡ ኢሎም ኣለዉ እሞ፡ ንኽቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም። |
| 12. | ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡ ኢሎም ኣለዉ እሞ፡ ንኽቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም። |
| 13. | ኣምላኸይ፡ ከም ህቦብላ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም። |
| 14. | ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ ሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፡ |
| 15. | ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡ ብዘራጊቶኻ ድማ ኣሸብሮም። |
| 16. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ኺደልዮስ፡ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ። |
| 17. | ንዘለኣልም ይነውሩን ይሸበሩን፡ ይሕፈሩን ይጥፍኡን። |
| 18. | ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ። |
| ← Psalms (83/150) → |