Psalms (83/150)  

1.  ዎ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ዓባስ ኣይትኹን፡ ዝግ ኣይትበል።
2.  እንሆ፡ ጸላእትኻ የውክዑ፡ ዚጸልኡኻውን ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ እሞ፡
3. ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡ ነቶም እትጋርዶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ይማኸሩሎም ኣለዉ።
4.  ህዝቢ ኸይኰኑ፡ ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡ ንዑ፡ ነጽንቶም፡ ይብሉ ኣለዉ።
5.  ሐቢሮም ተማኺሮም፡ ኪዳን ተኣታትዮምልካ እዮም እሞ፡
6. ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን ኣጋራውያንን፡
7. ጌባልን ዓሞንን ኣማሌቅን፡ ፍልስጥኤም ምስ ሰብ ጢሮስ፡
8.  ኣሶር ድማ ሐቢርዎም፡ ንውሉድ ሎጥ ቅልጽም ኰይኖምዎም እዮም። ሴላ።
9.  ከምቲ ንምድያን፡ ንሲሰራ፡ ንያቢን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።
10.  ንሳቶም ኣብ ኤንዶር ጠፍኡ፡ ንምድሪ ኸኣ ድዂዒ ዀንዋ።
11.  ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡ ኢሎም ኣለዉ እሞ፡ ንኽቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም።
12.  ንማሕደሪታት ኣምላኽ ንውረስ፡ ኢሎም ኣለዉ እሞ፡ ንኽቡራቶም ከም ዖሬብን ዜብን፡ ንብዘለዉ መሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባን ጻልሙናን ግበሮም።
13.  ኣምላኸይ፡ ከም ህቦብላ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ንፋስ ግበሮም።
14.  ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡ ሃልሃልታውን ነኽራን ዜቃጽሎ፡
15. ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡ ብዘራጊቶኻ ድማ ኣሸብሮም።
16.  ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ኺደልዮስ፡ ንገጾም ነውሪ ምልኣዮ።
17. ንዘለኣልም ይነውሩን ይሸበሩን፡ ይሕፈሩን ይጥፍኡን።
18.  ንስኻ፡ ጐይታ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ።

  Psalms (83/150)