Psalms (82/150)  

1. ኣምላኽ ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ደው ይብል፡ ኣብ ማእከል ኣማልኽቲ ይፈርድ ኣሎ።
2. ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሓሶት እትፈርዱ? ንገጽ ረሲኣንስ እተድልዉ? ሴላ።
3. ንምግዱርን ንዘኽታምን በይኑሎም፡ ንጭኑቕን መስኪንን ፍትሒ ኣውጽኡሎም።
4. ንድኻን መስኪንን ኣናግፍዎም፡ ካብ ኣእዳው ረሲኣን ኣድሕንዎም።
5. ኣይፈልጡን፡ ኣየስተውዕሉን፡ ኣብ ጸልማት ይመላለሱ፡ ብዘሎ መሰረታት ምድሪ ይናወጽ ኣሎ።
6. ኣነስ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኲላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፡ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፡ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፡ በልኩ።
7. ኣነስ፡ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኲላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፡ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፡ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፡ በልኩ።
8. ዎ ኣምላኽ፡ ንዂሎም ኣህዛብ ክትወርስሲ፡ ተንስእ ንምድሪ ፍረዳ።

  Psalms (82/150)