Psalms (79/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፡ ኣህዛብ ናብ ርስትኻ ኣትዮም፡ ንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋ፡ ንየሩሳሌምውን ኲምራ እምኒ ገበርዋ።
2. ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሀብዎም።
3. ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ ኣፍሰስዎ፡ ቀባሪውን ኣይነበረን።
4. ንጐረባብትና ነውሮም ንጐረባብትና ዘለዉ ኸኣ ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና።
5. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዘውቲርካ እትዂሪ፡ ቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዚነድድሲ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?
6. ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ።
7. ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፡ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ።
8. ኣዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፡ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልና፡ ቀልጥፍ፡ ምሕረትካ ትቃባበለና።
9. ዎ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፡ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈና፡ ሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።
10. ስለምንታይከ ኣህዛብ፡ ኣበይ ኣሎ ኣምላኾም፡ ዚብሉ? እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይፈለጥ።
11. ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፡ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።
12. ዎ እግዚኣብሄር፡ ንጐረባብትና እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፡ ናብ ሕቚፎም ምለሰሎም።
13. ንሕና ግና፡ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሴኻን ዝዀንና፡ ንዘለኣለም ክነመስግነካ፡ ንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና።

  Psalms (79/150)