Psalms (78/150)  

1. ዎ ህዝበይ፡ ንሕገይ ጽን በሎ፡ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን።
2. ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር ኣሎኹ፡
3. እቲ ዝሰማዕናዮን ዝፈለጥናዮን፡ ኣቦታትናውን ዘዘንትዉልና፡
4. ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፡ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን ደኣ ንነግሮ።
5. እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፡ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፡ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፡ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፡ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፡ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፡ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኰኑስ፡ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፡ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፡ ነቦታትና ኣዘዞም።
6. እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፡ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፡ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፡ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፡ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፡ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፡ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኰኑስ፡ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፡ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፡ ነቦታትና ኣዘዞም።
7. እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፡ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፡ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፡ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፡ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፡ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፡ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኰኑስ፡ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፡ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፡ ነቦታትና ኣዘዞም።
8. እቲ ዚመጽእ ወለዶ፡ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፡ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፡ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩ፡ ትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፡ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፡ ከም ኣቦታቶም፡ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፡ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለ፡ መንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኰኑስ፡ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፡ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስ፡ ነቦታትና ኣዘዞም።
9. ውሉድ ኤፍሬም፡ ተዋጋእትን ወርወርትን፡ ብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ።
10. ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉን፡ ብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ፡
11. ንግብርታቱን ነቲ ዘርኣዮም ተኣምራቱን ረስዕዎ።
12. ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ መሮር ጾዓን፡ ተኣምራት ገበረ።
13. ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎም፡ ንማይ ከም ኲምራ ኣቘሞ።
14. መዓልቲ ብደበና፡ ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም።
15. ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፡ ከም ካብ ዓሚቚ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም።
16. ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽኤ፡ ንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሐዞ።
17. ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፡ እናቐጸሉ በደልዎ።
18. ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩ፡ ብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ።
19. ንሳቶም፡ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መኣዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ? እንሆ፡ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፡ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲ፡ ንኸውሒ ወቕዖ፡ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፡ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከኣሎ እዩ? ኢሎም ንኣምላኽ ሐመይዎ።
20. ንሳቶም፡ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መኣዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ? እንሆ፡ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፡ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲ፡ ንኸውሒ ወቕዖ፡ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፡ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከኣሎ እዩ? ኢሎም ንኣምላኽ ሐመይዎ።
21. ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፡ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፡ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፡ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ።
22. ብኣምላኽ ኣይኣመኑን፡ ብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፡ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፡ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፡ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ።
23. ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞ፡ መዓጹ ሰማይ ከኣ ከፈተ፡
24. ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና ኣዝነመሎም፡ እኽሊ ሰማይውን ሀቦም።
25. ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔ፡ ንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም።
26. ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለ፡ ብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ።
27. ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድ፡ ነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝነመሎም።
28. ኣብ ማእከል ሰፈሮም፡ ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም።
29. በልዑን ኣዝዮም ጸገቡን፡ ትምኒቶምውን ሀቦም።
30. ትምኒቶም ገና ኸይወኡ፡ ብልዖምአን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፡
31. መዓት ኣምላኽ ወረዶም፡ ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፡ ነጒባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም።
32. ምስናይ እዚ ዂሉ መሊሶም በደሉ፡ ብተኣምልራቱ ኸኣ ኣይኣመኑን።
33. ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱ፡ ንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን።
34. ኪቐትሎም ከሎ፡ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፡ ተመሊሶም ከኣ፡ ኣንጊሆም ንኣምላኽ ደለይዎ።
35. ኣምላኽሲ ኽውሖም፡ እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘክሩ።
36. ብኣፎም ኣቃባጠሩሉ፡ ብመልሓሶም ድማ ሐሰዉሉ።
37. ልቦም ናብኡ ኣይቀንዔን፡ ብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።
38. ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፡ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ኣየጥፍኦምን ከኣ፡ ንዂራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፡ ንዂሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን።
39. ስጋ ምዃኖም፡ ሐሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ።
40. ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፡ ኣብ ጽምዋውን ዘጒሀይዎ።
41. ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ።
42. ንኢዱን ነቲ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፡ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፡ ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፡ ኣይዘከሩን።
43. ንኢዱን ነቲ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትን፡ ትእምርቱ ኣብ ግብጺ፡ ተኣምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፡ ኣይዘከሩን።
44. ምስታይ ምእንቲ ኺስእንዎስ፡ ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ።
45. ዚበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያን፡ ዜጥፍእኦም ቊርዖባትን ሰደደሎም።
46. ብቋልያኦም ንቓቔጣ፡ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሀቦ።
47. ንወይኖም ብበረድ፡ ንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ።
48. ከብቶም ንበረድ፡ መጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሀበን።
49. ሓዊ ዂራኡ፡ ቊጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፡ ጭፍራ መላእኽቲ እከይ፡ ኣውደቐሎም።
50. ንዂራኡ መገዲ ጸረገሉ፡ ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሐፋን።
51. ንብዘሎ በዂሪ ግብጺ ኸኣ፡ ነቶም በዂሪ ሓይሊ፡ ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም።
52. ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፡ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም።
53. ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖም፡ ንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፈኖም።
54. ናብ ወሰን መቕደሱ፡ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም።
55. ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎም፡ ርስቲ ኪዀኖም ብዕጻ ኸፈሎም፡ ንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደርም።
56. ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎን፡ ምስክራቱውን ኣይሐለዉን።
57. ንድሕሪት ተመልሱ፡ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፡ ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ።
58. ብዀረቢቶም ከኣ ኣዀረይዎ፡ ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ።
59. ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፡ ንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዐቖም።
60. ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፡ ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሐደጎ።
61. ሓይሉ ንምርኮ፡ ክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሀበ።
62. ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይሪ ገበሮ፡ ንርስቱውን ተቘጥዖ።
63. ነጒባዞም ሓዊ በልዖም፡ ደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረከባን።
64. ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑ፡ መበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን።
65. ሽዑ እግዚኣብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፡ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ።
66. ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖም፡ ዘለኣለማዊ ነውሪ ሀቦም።
67. ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያ፡ ንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሐረያን፡
68. ንነገድ ይሁዳ፡ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ።
69. ንቤት መቕደሱ ኸም ኲርባታት፡ ከምታ ንዘለኣለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፡ ሀነጻ።
70. ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፡ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ።
71. ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፡ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ።
72. ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮም፡ በእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም።

  Psalms (78/150)