| ← Psalms (76/150) → |
| 1. | ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፡ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ። |
| 2. | ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፡ ማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ። |
| 3. | ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻ፡ ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ሰባበረ።ሴላ። |
| 4. | ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ ብሩህን ክቡርን ኢኻ። |
| 5. | እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉ፡ ድቃሶም ደቀሱ፡ ኲላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን። |
| 6. | ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብተግሳጽካ ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ። |
| 7. | ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፡ ክትቊጣዕ ከሎኻኸ፡ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል? |
| 8. | ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡ ኣምላኽ ንዂሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።ሴላ። |
| 9. | ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡ ኣምላኽ ንዂሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።ሴላ። |
| 10. | ኲራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፡ ትርፊ ዂራ ኽትዕጠቕ ኢኻ። |
| 11. | ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽኩም፡ ተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኲሉኹም፡ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ። |
| 12. | ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፡ ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ። |
| ← Psalms (76/150) → |