Psalms (76/150)  

1. ኣምላኽ ኣብ ይሁዳ ፍሉጥ እዩ፡ ስሙ ኣብ እስራኤል ዓብዪ እዩ።
2. ድንኳኑ ኣብ ሳሌም፡ ማሕደሪኡውን ኣብ ጽዮን እዩ።
3. ኣብኡ ናይ ቀስቲ ፍላጻ፡ ዋልታን ሰይፍን መሳርያ ሰባበረ።ሴላ።
4. ንስኻ ኻብ ኣኽራን መንጠልቲ ዚበልጽ ብሩህን ክቡርን ኢኻ።
5. እቶም ተባዓት ልቢ ተገፉ፡ ድቃሶም ደቀሱ፡ ኲላቶም ጀጋኑውን ኣእዳዎም ኣይረኸቡን።
6. ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፡ ብተግሳጽካ ሰረገላታትን ኣፍራስን ድቃስ ከቢድዎም ዛሕ በሉ።
7. ንስኻ ግና እተፈራህካ ኢኻ፡ ክትቊጣዕ ከሎኻኸ፡ ኣብ ቅድሜኻ መን ደው ኪብል ይኽእል?
8. ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡ ኣምላኽ ንዂሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።ሴላ።
9. ፍርድኻ ኻብ ሰማይ ኣስማዕካ፡ ኣምላኽ ንዂሎም ትሑታት ምድሪ ምእንቲ ኼድሕን ንፍርዲ ምስ ተንስኤ፡ ምድሪ ፈርሄት ስቕውን በለት።ሴላ።
10. ኲራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ፡ ትርፊ ዂራ ኽትዕጠቕ ኢኻ።
11. ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽኩም፡ ተመባጽዑሉ ፈጽምዎ ኸኣ። ኣቱም ኣብ ዙርያኡ ዘሎኹም ኲሉኹም፡ ገጸ በረኸት ነቲ ዜፍርህ ኣቕርቡሉ።
12. ንሱ ንመንፈስ መሳፍንቲ ኺዐጽዶ እዩ፡ ንነገስታት ምድሪ ዜፍርህ እዩ።

  Psalms (76/150)