Psalms (75/150)  

1. ነመስግነካ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነመስግነካ አሎና፣ ስምካ ቐረባ እዩ፣ ሰብ ንተኣምራትካ የዘንትውዎ።
2. ነቲ ምዱብ ጊዜ ምስ ረኸብክዎ ቅኑዕ ክፈርድ እየ።
3. ምድርን ኣብኣ ዚነብሩ ዅሎምን መኸኹ። ኣነ ነዕኑዳ ኣጽናዕኩ። ሴላ።
4. ነቶም ደፋራት፣ ኣይትድፈሩ፣ ንረሲኣንውን፣ ቀርንኹም ኣይተልዕሉ፣ በልክዎም።
5. ቀርንኹም ንላዕሊ ኣይተልዕሉ፣ ክሳድኩም ኣትሪርኩም ኣይትዛረቡ።
6. ካብ ምብራቕ ወይ ካብ ምዕራብ፣ ወይስ ካብ በረኻ ኣይኰነን ልዕልና ዚመጽእ፣
7. ኣምላኽ ደኣ እዩ ፈራዲ፣ ነዚ የውርድ፣ ነቲ ልዕል የብል።
8. ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ዓፈርፈር ዚብል፣ እተሐዋወሰ ወይኒ ዝመልኤ ጽዋእ አሎ እሞ፣ ካብኡ ቐዲሑ ይዕድል፣ ብሓቂ፣ ኵሎም ረሲኣን ምድሪ ንሓተላኡ ኺጭልጥዎ እዮም።
9. ኣነ ግና ንዘለኣለም እዚ ኸዘንቱ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ ምስጋና ኽዝምረሉ፣
10. ንብዘሎ ኣቕርንቲ ረሲኣንውን ክጕልዕሞ እየ፣ ኣቕርንቲ ጻድቃን ግና ልዕል ኪብል እዩ።

  Psalms (75/150)