| ← Psalms (74/150) → |
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፣ ንምንታይከ ነድርኻ ኣብ ኣባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ፣ |
| 2. | ነታ ኻብ ጥንቲ ዘጥሬኻያ፣ ዓሌት ርስትኻ ኽትከውን እተበጆኻያ ማሕበር፣ ነታ ዝሐደርካያ ኸረን ጽዮን ዘክር። |
| 3. | ኣእጋርካ ናብታ ናይ ዘለኣለም ዑና ኣልዕል፣ እቲ ጸላኢ ኣብ መቕደስ ንዅሉ ኣበላሽይዎ አሎ። |
| 4. | ተጻረርትኻ ኣብ ማእከል ማሕበርካ ጨዲሮም፣ ንምልክቶም ምልክት ገይሮም ኣቘምዎ። |
| 5. | ከምቶም ማሕጸ ኣብ ብርቱዕ ዱር ዜልዕሎ ሰብ ይመስሉ። |
| 6. | ንብዘሎ ቕርጺ ህንጻታቱ ብማሕጸን ብመዶሻን ገይሮም ኣድቂቖምዎ። |
| 7. | ንመቕደስካ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ፣ ንማሕደር ስምካ ኽሳዕ መሰረታ ኣርኪሶምዋ እዮም። |
| 8. | ብልቦም፣ ሐቢርና ነጥፍኣዮም፣ በሉ፣ ንዅለን ኣብታ ሃገር ዘለዋ ኣባይቲ ማሕበር ኣምላኽ ኣንዲዶምወን። |
| 9. | ምልክትና ኣይንርአን፣ ነቢዪ የሎን፣ ክሳዕ መኣዝ ምዃኑ ዚፈልጥ የብልናን። |
| 10. | ዎ ኣምላኽ፣ እቲ ተጻራሪ ኽሳዕ መኣዝ ኪጸርፍ፣ ጸላእስ ንሓዋሩ ስምካ ኺንዕቕ እዩ፣ |
| 11. | ስለምንታይ ኢድካ፣ ነታ የማነይትኻ፣ ንድሕሪት እትመልሳ፣ ካብ ትሽትሽካ ኣውጺእካ ኣጥፍኣዮም። |
| 12. | ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ምድሪ ግብርታት ምድሓን ዚገብር ዘሎ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ንጉሰይ እዩ። |
| 13. | ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ። |
| 14. | ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም። |
| 15. | ዓይኒ ማያትን ምንጭን ኣፈልፈልካ፣ ነቲ ዅሉ ጊዜ ዚውሕዝ ርባታት ኣንቀጽካዮ። |
| 16. | መዓልቲ ናትካ እያ፣ ለይቲውን ንትካ እያ፣ ንብርሃንን ጸሓይን ገብርካየን። |
| 17. | ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ንስኻ ኣጽናዕካዮ፣ ንሓጋይን ክረምትን ፈጠርካዮም። |
| 18. | ጸላኢ ንእግዚኣብሄር ከም ዝጸርፎ፣ |
| 19. | ነፍሲ ባሬቶኻ ንኣራዊት ኣይትሀብ፣ ህይወት መሳኪንካ ንሓዋሩ ኣይትረስዕ። |
| 20. | እቲ ዝጸልመተ ቦታታት ምድሪ ብማሕደር ግፍዒ መሊኡ አሎ እሞ፣ ኪዳንካ ጠምት። |
| 21. | እቲ ጥቑዕ ሐፊሩ ኣይመለስ፣ መስኪንን ድኻን ስምካ ይባርኹ። |
| 22. | ዎ ኣምላኽ፣ ተንስእ፣ ነገርካ ግበር፣ ዓሻ ጽርፍ ከም ዚውዕለካ ዘክር። |
| 23. | ድምጺ ተጻረርትኻ ኣይትረስዕ፣ ጭድርታ እቶም ዓለውትኻ ዅሉ ጊዜ ይለዐል አሎ። |
| ← Psalms (74/150) → |