Psalms (72/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ንንጉስ ፍርድኻ፣ ንወዲ ንጉስውን ጽድቅኻ ሀቦም።
2. ንሱ ኸኣ ንህዝብኻ ንጽድቂ፣ ንጥቑዓትካውን ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ።
3. ኣኽራንን ኰረቢትንሲ ብጽድቂ ንህዝቢ ሰላም ኬምጽኡሉ እዮም።
4. ነቶም ናይ ህዝቢ መሳኺን ይብይነሎም፣ ንደቂ ድኻታት ኬድሕኖም እዩ፣ ንጠቓዕቲውን ኪድዕምዀም እዩ።
5. ጸሓይን ወርሕን ክሳዕ ዘለዋ፣ ንውሉድ ወለዶ ኺፈርሁኻ እዮም።
6. ከም ዝናም ናብ እተዐጽደ ሸኻ፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ጥሚቕ ኰይኑ ይወርድ።
7. ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፣ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።
8. ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፣ ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።
9. ኣብ በረኻ ዚነብሩ ኢድ ኪነስኡሉ፣ ጸላእቱውን ሓመድ ኪልሕሱ እዮም።
10. ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ገጸ በረኸት ኬቕርቡሉ፣ ነገስታት ሸባን ሳባን ድማ ውህበታት ኬምጽኡሉ እዮም።
11. ኵሎም ነገስታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኺፍገሙ፣ ብዘለዉ ኣህዛብ ኬገልግልዎ እዮም።
12. ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ።
13. ንመሳኺንን ድኻታትን ኪድንግጸሎም፣ ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ።
14. ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ እሞ፣
15. ብህይወት ኪነብር፣ ካብ ወርቂ ሸባ ድማ ኪህብዎ፣ ኵሉ ጊዜውን ናብኡ ኺጽልዩ፣ ምሉእ መዓልቲ ኺባርኽዎ እዮም።
16. ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር፣ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን፣ ፍሬኡ ኸም ኣእዋም ሊባኖስ ዘዘው ኪብል፣ ሰብ ከተማውን ከም ሳዕሪ ምድሪ ኺዕምብቡ እዮም።
17. ስሙ ንዘለኣለሙ ኪነብር፣ ስሙ ጸሓይ ክሳዕ ዘላ ኺዝውተር እዩ፣ ብእኡውን ሰብ ኪባረኹ፣ ኵሎም ኣህዛብ ብጹእ ኪብልዎ እዮም።
18. እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ።
19. ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ፣ ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ። ኣሜን፣ ኣሜን።
20. ጸሎት ዳዊት ወዲ እሰይ ተፈጸመ።

  Psalms (72/150)