| ← Psalms (71/150) → | 
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እወከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ። | 
| 2. | ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንን፣ እዝንኻ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ። | 
| 3. | ኵሉ ጊዜ ዝሀድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ዀነኒ፣ ከውሔይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ንምድሓነይ አዘዝካ። | 
| 4. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ። | 
| 5. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ። | 
| 6. | ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፣ ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላሌኻኒ ንስኻ ኢኻ፣ ምስጋናይ ኵሉ ጊዜ ንኣኻ እዩ። | 
| 7. | ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ። | 
| 8. | ኣፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልኣዮ። | 
| 9. | ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ። | 
| 10. | ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ። | 
| 11. | ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ። | 
| 12. | ዎ ኣምላኽ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ንምርዳኤይ ፍጠን። | 
| 13. | እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፣ እቶም ጕድኣተይ ዚደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ። | 
| 14. | ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር፣ ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ። | 
| 15. | ቍጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፣ ኣፈይ ጽድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ። | 
| 16. | ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፣ ጽድቅኻ፣ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ። | 
| 17. | ዎ ኣምላኽ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ። | 
| 18. | ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ። | 
| 19. | ዎ ኣምላኽ፣ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣ ኣታ፣ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፣ መን ይመዓራረየካ፣ | 
| 20. | ኣታ፣ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻና፣ መሊስካ ህይወት ክትህበኒ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ክብ መዓሙቝ ምድሪ ኸተውጽኣኒ ኢኻ። | 
| 21. | ንዕቤተይ ክትውስኸሉ፣ ብምጽንናዕ ከኣ ክትከበኒ ኢኻ። | 
| 22. | ኣምላኸየ፣ ኣነውን ንኣኻ፣ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፣ ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስ፣ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ። | 
| 23. | ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን። | 
| 24. | እቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ሐፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፣ መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ። | 
| ← Psalms (71/150) → |