Psalms (71/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እወከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ።
2. ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንን፣ እዝንኻ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ።
3. ኵሉ ጊዜ ዝሀድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ዀነኒ፣ ከውሔይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ንምድሓነይ አዘዝካ።
4. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ።
5. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ።
6. ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብኣኻ ተደገፍኩ፣ ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላሌኻኒ ንስኻ ኢኻ፣ ምስጋናይ ኵሉ ጊዜ ንኣኻ እዩ።
7. ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ።
8. ኣፈይ ብምስጋናኻ፣ ኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልኣዮ።
9. ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
10. ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
11. ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።
12. ዎ ኣምላኽ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ንምርዳኤይ ፍጠን።
13. እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፣ እቶም ጕድኣተይ ዚደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ።
14. ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር፣ ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ።
15. ቍጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፣ ኣፈይ ጽድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።
16. ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፣ ጽድቅኻ፣ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ።
17. ዎ ኣምላኽ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂውን ተኣምራትካ ኣወጅኩ።
18. ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።
19. ዎ ኣምላኽ፣ ጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣ ኣታ፣ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፣ መን ይመዓራረየካ፣
20. ኣታ፣ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻና፣ መሊስካ ህይወት ክትህበኒ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ክብ መዓሙቝ ምድሪ ኸተውጽኣኒ ኢኻ።
21. ንዕቤተይ ክትውስኸሉ፣ ብምጽንናዕ ከኣ ክትከበኒ ኢኻ።
22. ኣምላኸየ፣ ኣነውን ንኣኻ፣ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፣ ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስ፣ ብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።
23. ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሓንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን።
24. እቶም ጕድኣተይ ዚደልዩ ሐፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፣ መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ።

  Psalms (71/150)