Psalms (70/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ንምንጋፈይ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
2. እቶም ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይሕነኹን፣ እቶም ሕሰም ዚትምነዩለይ ንድሕሪት ይመለሱን ይነውሩን።
3. ኣሰይ፣ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ነዊሮም ንድሕሪት ይመለሱ።
4. እቶም ዚደልዩኻ ዅሎም ብኣኻ ባህ ይበሎምን ይተሐጐሱን፣ እቶም ምድሓንካ ዚፈትዉ ኸኣ ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽ ልዕል ይበል፣ ይበሉ።
5. ኣነ ግና መስኪንን ድኻን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ናባይ ፍጠን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣይትደንጕ።

  Psalms (70/150)