| ← Psalms (7/150) → |
| 1. | ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣ |
| 2. | ሰኣን ዜናግፈኒ፣ ጸላእየይ ንነፍሰይ ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ኣዕቍበ እኔኹ፣ |
| 3. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፣ ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እተ አልዩ |
| 4. | ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፣ |
| 5. | እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፣ ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፣ ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ። |
| 6. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ተንስእ፣ ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዐል፣ ንስኻ ፍርዲ አዘዝካ፣ ንረዲኤተይ ንቓሕ። |
| 7. | ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፣ ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ። |
| 8. | እግዚኣብሄር፣ ንህዝብታት ኪፈርዶም እዩ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ። |
| 9. | ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣’ ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፣ ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ። |
| 10. | ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፣ ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም። |
| 11. | ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፣ ዕለተ ዕለት ዚዅሪ ኣምላኽ እዩ። |
| 12. | ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፣ ሴፉ ስሒሉ፣ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ። |
| 13. | መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፣ ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ። |
| 14. | እንሆ፣ ንእከይ የቕለሉ፣ ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ። |
| 15. | ጕድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፣ ናብታ ዝዀዐታ ጕድጓድውን ወደቐ። |
| 16. | ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኺምለስ፣ ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኺወርድ እዩ። |
| 17. | ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፣ ነቲ ልዑል፣ ንስም እግዚኣብሄር፣ ክዝምረሉ እየ። |
| ← Psalms (7/150) → |