Psalms (69/150)  

1. ማያት ክሳዕ ነፍሰይ በጺሑ እዩ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣድሕነኒ።
2. ናብቲ መርገጺ ዜብሉ ዓሚቝ ሰልሚ ሰጢመ፣ ኣብ ጥልቂ ማያት አትየ፣ ማዕበላት ከኣ የጥሕለኒ አሎ።
3. ብምእዋየይ ደኺመ፣ ጐረሮይ ነቒጹ፣ ኣዒንተይ ንኣምላኸይ ብምጽባይ ፈዚዘን።
4. ብኸንቱ ዚጸልኡኒ ኻብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሑ፣ ብዘይ ምኽንያት ኬጥፍኡኒ ዚደልዩ ጸላእተይ ሓያላት እዮም፣ ኤረ ዘይከተርክዎ ኽመልስ እኳ ግዲ ዀነኒ።
5. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን።
6. ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ።
7. ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ።
8. ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ።
9. ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ።
10. እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።
11. ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፣ መመሰሊ ዀንክዎም።
12. ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣ ሰካራት ብኣይ ይጭፍሩ።
13. ኣታ እግዚኣብሄር፣ ብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ።
14. ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽኣኒ፣ ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ።
15. ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፣ መዓሙቑ ድማ ኣይውሐጠኒ፣ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይትዕጾ።
16. ጐይታየ፣ ሳህልኻ ሰናይ እዩ እሞ፣ ምለሰለይ፣ ከም ዕቤት ምሕረትካ ተመለሰኒ።
17. ጸቢቡኒ እዩ እሞ፣ ንባርያኻ ገጽካ ኣይትኸውለሉ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ።
18. ክትብጀዋስ ናብ ነፍሰይ ቅረብ፣ ምእንቲ ጸላእተይ ኢልካ ኣናግፈኒ።
19. ንስኻ ጸርፈይን ነውረይን ሕፍረተይን ትፈልጦ ኢኻ፣ ኵሎም ተጻረርተይ ኣብ ቅድሜኻ አለዉ።
20. ንልበይ ጸርፊ ቐጥቂጥዎ ደኸምኩ፣ ዚድንግጸለይ ተጸቤኹ፣ ሓደ እኳ ኣይነበረን፣ ዜጸናንዑኒ ደልየውን፣ ሰአንኩ።
21. ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ። ንጽምኤይውን መጺጽ ኣስተዩኒ።
22. መኣዶም ኣብ ቅድሚኦም መፈንጠራ ይዀኖም፣ ደሓን ኢና ኺብሉ ኸለዉ፣ መጻወድያ ይዀኖም።
23. ኣዒንቶም ከይርእያ ይጸልምታ፣ ንሓቛቝኦምውን ኵሉ ጊዜ ኣንቀጥቅጦ።
24. መዓትካ ኣፍስሰሎም፣ ረስኒ ቝጥዓኻውን የርክቦም።
25. ማሕደሪኦም ይዕኖ፣ ኣብ ድንኳናቶም ዚነብር ሓደ እኳ ኣይረኸብ
26. ነቲ ዝወቓዕካዮ ይሰጕዎ፣ ናይቶም ዘቝሰልካዮም ቃንዛ የዘንትውዎ አለዉ እሞ፣
27. ኣብ ርእሲ ዓገቦም ዓገብ ወስኰም፣ ናብ ጽድቅኻውን ኣይእተዉ።
28. ካብ መጽሓፍ ህይወት ይደምሰሱ፣ ምስ ጻድቃን ድማ ኣይጸሐፉ።
29. ኣነ ግና መስኪንን ምግዱርን እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምድሓንካ ልዕል የብለኒ።
30. ንስም ኣምላኽ ብመዝሙር ከመስግኖ፣ ብምምሳው ከኣ ልዕል ከብሎ እየ፣
31. እዚ ንእግዚኣብሄር ካብ ዝራብዕ፣ ካብ ቀርንን ጽፍርን ዘለዎ ተፊንቲ ባህ ኬብሎ እዩ።
32. እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ። ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር።
33. እግዚኣብሄር ንድኻታት ይሰምዖም፣ ንእሱራቱውን ኣይንዕቕን እዩ እሞ፣ ትሑታት ነዚ ርእዮም ይሕጐሱ። ኣቱም ንኣምላኽ እትደልይዎ፣ ልብኹም ብህይወት ይንበር።
34. ሰማይን ምድርን ባሕርን፣ ኣብኡ ዚዋሳወስ ኵሉን ንእኡ የመስግንዎ።
35. ኣምላኽ ንጽዮን ኬድሕና፣ ንኸተማታት ይሁዳውን ኪሀንጸን እዩ እሞ፣ ኣብኤን ኪነብሩን ኪርስትዩን፣
36. ዘርኢ ዚፈትዉ ኸኣ ኣብኣ ኺነብሩ እዮም።

  Psalms (69/150)