Psalms (68/150)  

1. ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ።
2. ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲኣን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ።
3. ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፣ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ።
4. ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ።
5. ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ።
6. ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፣ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፣ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ።
7. ዎ ኣምላኽ፣ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ፣
8. ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ፣ ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት።
9. ዎ ኣምላኽ፣ ዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፣ ነታ ዝሐመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ።
10. ህያዋንካ ኣብኡ ሐደሩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም።
11. እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን።
12. ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሀድሙ፣ ይሀድሙ፣ ኣብ ገዛ ዝወዐለትውን ምርኰ ትማቐል።
13. ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሐደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ።
14. እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ።
15. ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣ ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ።
16. ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኹም ኣኽራን፣ ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ኪዀኖ እተመነዮ ኸረን ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኺነብር እዩ።
17. ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ።
18. ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኰ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐቢልካ።
19. እግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጻወር አሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ።
20. ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፣ ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ።
21. ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፣ ኤረ ነቲ ብበደሉ ዚመላለስ ጐታን፣ መንበስበስታኡ ኺጭፍልቖ እዩ።
22. እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ።
23. እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ።
24. ዎ ኣምላኽ፣ ኡደትካ፣ ናይ ኣምላኸይ፣ ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረአዩ።
25. ቅድም ዘመርቲ፣ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዓቡ፣ ከበሮ ዚወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ።
26. ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ።
27. ኣብኡ ብንያም፣ እቲ ምንኣስ ኵሎም፣ ገዛኢኦም፣ መሳፍንቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፣ መሳፍንቲ ዛብሎን፣ መሳፍንቲ ንፍታሌም አለዉ።
28. ኣምላኽካ ንሓይልኻ አዘዞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ።
29. ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም።
30. ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኺመጹኻ፣ ንኣራዊት ሰልሰላ፣ ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም። ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም።
31. መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።
32. ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ፣ የስምዕ አሎ። ሴላ።
33. ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ፣ የስምዕ አሎ። ሴላ።
34. ንኣምላኽ ምልኪ ሀቡ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ።
35. ዎ ኣምላኽ፣ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ። ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዚህብ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይባረኽ።

  Psalms (68/150)