| ← Psalms (68/150) → | 
| 1. | ኣምላኽ ይተንስእ፣ ጸላእቱ ፋሕ ይበሉ፣ እቶም ዚጸልእዎ ኻብ ገጹ ይህደሙ። | 
| 2. | ትኪ ኸም ዚብተን፣ ከምኡ ትብትኖም፣ ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ኸም ዚመክኽ፣ ከምኡውን ረሲኣን ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ይጠፍኡ። | 
| 3. | ጻድቃን ግና ይሕጐሱ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደስ ይብሎም፣ ባህ ኢልዎም ድማ እልል ይብሉ። | 
| 4. | ንኣምላኽ ቃንዩሉ፣ ንስሙ ኣመስግኑ፣ ነቲ ብበረኻ ዚሐልፍ መገዲ ጽረጉሉ፣ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ቅድሚኡ ደስ በሉ። | 
| 5. | ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ማሕደሩ ዀይኑ፣ ኣቦ ዘኽታማትን ጠበቓ መበለታትን እዩ። | 
| 6. | ኣምላኽ ነቲ በይኑ ዝዀነ ናብ ስድራ የእትዎ፣ ንእሱራት ናብ ራህዋ የውጽኦም፣ ተጻረርቲ ግና ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ይነብሩ። | 
| 7. | ዎ ኣምላኽ፣ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ፣ | 
| 8. | ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ፣ ሲና እኳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣንቀጥቀጠት። | 
| 9. | ዎ ኣምላኽ፣ ዝናም ውህበትካ ኣዝነምካ፣ ነታ ዝሐመቐት ርስትኻ ኣደልደልካያ። | 
| 10. | ህያዋንካ ኣብኡ ሐደሩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብለውሃትካ ንመሳኺን ኣዳሎኻሎም። | 
| 11. | እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፣ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን። | 
| 12. | ናይ ሰራዊት ነገስታት ይሀድሙ፣ ይሀድሙ፣ ኣብ ገዛ ዝወዐለትውን ምርኰ ትማቐል። | 
| 13. | ኣብ ማእከል መጓሰ እንተ ሐደርኩም፣ ከም ኣኽናፍ ርግቢ ብብሩር፣ ክንቲታውን ብዜንጸባርቕ ወርቂ እተለበጠ ትዀኑ። | 
| 14. | እቲ ዅሉ ዚኽእል ንነገስታት ምስ በተኖም፣ ኣብ ሰልሞን በረድ ዘነመ። | 
| 15. | ከረን ባሳን ናይ ኣምላኽ ከረን እዩ፣ ከረን ባሳን ኣርእስቱ ዝብዙሕ ከረን እዩ። | 
| 16. | ኣቱም ብዙሕ ዘርእስትኹም ኣኽራን፣ ነቲ ኣምላኽ ንማሕደሩ ኪዀኖ እተመነዮ ኸረን ስለምንታይ ኢኹም ቀኒእኩም እትጥምትዎ፣ እወ፣ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብኡ ኺነብር እዩ። | 
| 17. | ሰረገላታት ኣምላኽ ክልተ እልፊ፣ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ሲና፣ ኣብ መቕደሱ፣ ኣብ ማእከሎም እዩ። | 
| 18. | ናብ ላዕሊ ደየብካ፣ ምርኰ ማረኽካ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኪነብሩስ፣ ካብ ሰብ፣ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐቢልካ። | 
| 19. | እግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ነንመዓልቲ ጾርና ይጻወር አሎ፣ ንሱ ኣምላኽ ምድሓንና እዩ። | 
| 20. | ኣምላኽሲ ንኣና ኣምላኽ ምንጋፍ እዩ፣ ካብ ሞት ምውጻእ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ። | 
| 21. | ኣምላኽ ግና ርእሲ ጸላእቱ፣ ኤረ ነቲ ብበደሉ ዚመላለስ ጐታን፣ መንበስበስታኡ ኺጭፍልቖ እዩ። | 
| 22. | እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ። | 
| 23. | እግዚኣብሄር፣ ኣእጋርካ ኣብ ደም ኪረግጻ፣ መልሓስ ኣኽላባትካ ኸኣ ካብ ጸላኢ ግዲኡ ኺረክብሲ፣ ካብ ባሳን ክመልሶም፣ ካብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽመልሶም እየ፣ በለ። | 
| 24. | ዎ ኣምላኽ፣ ኡደትካ፣ ናይ ኣምላኸይ፣ ናይ ንጉሰይ ኡደት ናብ መቕደስ ረአዩ። | 
| 25. | ቅድም ዘመርቲ፣ ደሓር ቃነይቲ በገና ሰዓቡ፣ ከበሮ ዚወቕዓ ደናግል ኣብ ማእከል ነበራ። | 
| 26. | ኣቱም ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ዝዀንኩም፣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማሕበራት ኣመስግንዎ። | 
| 27. | ኣብኡ ብንያም፣ እቲ ምንኣስ ኵሎም፣ ገዛኢኦም፣ መሳፍንቲ ይሁዳን ጭፍራኦምን፣ መሳፍንቲ ዛብሎን፣ መሳፍንቲ ንፍታሌም አለዉ። | 
| 28. | ኣምላኽካ ንሓይልኻ አዘዞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ነቲ ዝገበርካልና ኣጽንዓዮ። | 
| 29. | ስለ ቤት መቕደስካ ኣብ የሩሳሌም ነገስታት ውህበት ኬምጽኡልካ እዮም። | 
| 30. | ብሩሮም ጾይሮም ምእንቲ ኺመጹኻ፣ ንኣራዊት ሰልሰላ፣ ንኣኼባ ኣብዑር ምስ ምራኹት ኣህዛብ ገስጾም። ነቶም ብውግእ ዚሕጐሱ ኣህዛብ ፋሕ ኣብሎም። | 
| 31. | መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ። | 
| 32. | ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ፣ የስምዕ አሎ። ሴላ። | 
| 33. | ኣቱም መንግስታት ምድሪ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ እንሆ፣ ንሱ ንድምጹ፣ ነቲ ብርቱዕ ድምጺ፣ የስምዕ አሎ። ሴላ። | 
| 34. | ንኣምላኽ ምልኪ ሀቡ፣ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፣ ምልኩ ኣብ ደበናታት እዩ። | 
| 35. | ዎ ኣምላኽ፣ ካብ መቕደስካ እተፍርህ ኢኻ። ንህዝቡ ሓይልን ስልጣንን ዚህብ ኣምላኽ እስራኤል እዩ። ኣምላኽ ይባረኽ። | 
| ← Psalms (68/150) → |