Psalms (67/150)  

1. ኣምላኽ ይምሐረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። ሴላ።
2. መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና።
3. ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ።
4. ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። ሴላ።
5. ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ።
6. ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።
7. ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ።

  Psalms (67/150)