| ← Psalms (67/150) → |
| 1. | ኣምላኽ ይምሐረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። ሴላ። |
| 2. | መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና። |
| 3. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ። |
| 4. | ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። ሴላ። |
| 5. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ። |
| 6. | ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ። |
| 7. | ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ። |
| ← Psalms (67/150) → |