| ← Psalms (65/150) → |
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻ፣ መብጽዓውን ንኣኻ ኺፍጸም እዩ። |
| 2. | ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፣ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ። |
| 3. | ኣበሳ በርቲዑኒ፣ ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ። |
| 4. | ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ፣ ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና። |
| 5. | ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። |
| 6. | ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። |
| 7. | ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ። |
| 8. | ኣብ ወሰን ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፣ ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን። |
| 9. | ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም። |
| 10. | ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቝላ ትባርዀ። |
| 11. | ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ። |
| 12. | ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፣ ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ። |
| 13. | ኣሳውሕ ብመጓሴታት ይኽደን፣ ለሴታትውን እኽሊ ይጕልበብ፣ እልል ይብሉን ይዝምሩን አለዉ። |
| ← Psalms (65/150) → |