Psalms (65/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ጽዮን ብህድኣት የመስግኑኻ፣ መብጽዓውን ንኣኻ ኺፍጸም እዩ።
2. ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፣ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።
3. ኣበሳ በርቲዑኒ፣ ንስኻ ንምግሃስና ይቕረ ኽትብል ኢኻ።
4. ኣብ ቦታኻ ኺሐድር ዝሐሬኻዮን ዘቕረብካዮን ሰብ ብጹእ እዩ። ብበረኸት ቤትካ፣ ብቕዱስ መቕደስካ ኽንጸግብ ኢና።
5. ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ።
6. ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ።
7. ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፣ ንዅሉ ወሰናት ምድርን ንርሑቕ ባሕርታትን መዕቈቢ ዝዀንካ፣ ስልጣን ተዐጢቕካ፣ ብሓይልኻ ነኽራን ዘጽናዕካ፣ ህማም ባሕርታት፣ ህማም ማዕበላቱ፣ ወኻዕታ ኣህዛብ እተህድእ፣ ብዜፍርህ ነገር ብጽድቂ ኽትመልሰልና ኢኻ።
8. ኣብ ወሰን ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ብትእምርትኻ ይፈርሁ፣ ንምብራቕን ምዕራብን እልል ተብለን።
9. ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም።
10. ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቝላ ትባርዀ።
11. ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ፣ ኣሰርካ ስብሒ የንጠብጥብ።
12. ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፣ ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ።
13. ኣሳውሕ ብመጓሴታት ይኽደን፣ ለሴታትውን እኽሊ ይጕልበብ፣ እልል ይብሉን ይዝምሩን አለዉ።

  Psalms (65/150)