Psalms (64/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ክምህለል ከሎኹ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ።
2. ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፣ ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ።
3. ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ፣ መልሓሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ፣ ፍላጻታቶም፣ መሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ አለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ።
4. ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ፣ መልሓሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ፣ ፍላጻታቶም፣ መሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ አለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ።
5. ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ፣ መፈንጠራ ኼጻዉዱስ ይመኽሩ፣ መን ከይርእየና፣ ይብሉ አለዉ።
6. እከይ ሐሰቡ፣ ኣዝዮም መርመሩ፣ ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ኸኣ ፈጸሙ። ውሽጢ ነፍሲ ወከፍን ልቡን ዓሚቝ እዩ።
7. ኣምላኽ ይወግኦም፣ ድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ።
8. ይወድቁ፣ መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ፣ ዚርእዮም ዘበለ ርእሱ ኺንቕንቕ እዩ።
9. ኵሎም ሰባት ከኣ ኪፈርሁ፣ ንግብሪ ኣምላኽ ድማ ኬዘንትዉ፣ ንዕዮኡውን ኬስተብህሉ እዮም።
10. ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ፣ ኣብኡ ኸኣ ኪውከል፣ ቅኑዓት ልቢ ዘበሉውን ኪሕበኑ እዮም።

  Psalms (64/150)