Psalms (63/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፣ ኣንጊሄ እደልየካ አሎኹ፣ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ አላ፣ ስጋይ፣ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፣ ይናፍቐካ አሎ።
2. ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፣ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ አሎኹ።
3. ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፣ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን።
4. ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።
5. ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
6. ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
7. ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፣ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፣ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጕዕን ትጸግብ፣ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።
8. ነፍሰይ ኣብ ድሕሬኻ ትጠብቕ፣ የማነይቲ ኢድካውን ትድግፈኒ አላ።
9. እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ግና ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም።
10. ንስልጣን ሰይፊ ኺውሀቡ፣ ግደ ወኻሩ ኪዀኑ እዮም።
11. ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ፣ ኣፍ ሓሰውቲ ኺዕበስ እዩ እሞ፣ ነፍሲ ወከፍ ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ኺሕበን እዩ።

  Psalms (63/150)