Psalms (61/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ።
2. ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ንልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
3. ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ንልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ።
4. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ። ሴላ።
5. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ። ሴላ።
6. ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር።
7. ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ።
8. ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ።

  Psalms (61/150)