| ← Psalms (61/150) → | 
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ናብ ጸሎተይ ኣቕልብ። | 
| 2. | ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ንልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ። | 
| 3. | ንስኻ መዕቈብየይ፣ ካብ ገጽ ጸላኢ ጽኑዕ ግምቢ ኢኻ እሞ፣ ንልበይ እንተ ተሐለለ፣ ካብ ወሰን ምድሪ ኣባኻ ኸእዊ እየ። ናብቲ ኻባይ ልዕል ዝበለ ኸውሒ ምርሓኒ። | 
| 4. | ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ። ሴላ። | 
| 5. | ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም አሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቍብ አሎኹ። ሴላ። | 
| 6. | ዕድመ ንጉስ ተንውሕ፣ ዓመታቱ ኻብ ወለዶ ንወለዶ ይነብር። | 
| 7. | ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር፣ ምሕረትን እምነትን ኪሕልዋኦ ኣዳሎ። | 
| 8. | ንስምካ ንሓዋሩ ኽዝምረሉ፣ ከምዚ ገይረ ነንመዓልቲ መብጽዓይ ክፈዲ እየ። | 
| ← Psalms (61/150) → |