| ← Psalms (60/150) → |
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ደርቤኻና፣ ፋሕ ኣበልካና፣ ኰሬኻ። ምለሰና። |
| 2. | ንምድሪ ኣንቀጥቀጥካያ፣ ተርተርካያ፣ ትናወጽ አላ እሞ፣ ጭዳዳ ጸግን። |
| 3. | ንህዝብኻ ጭንቀት ኣርኤኻዮ፣ ሰንከልከል ዜብል ወይኒ ኣስቴኻና። |
| 4. | ስለ ሓቂ ምእንቲ ኺለዐል፣ ነቶም ዚፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሀብካዮም። ሴላ። |
| 5. | ፈተውትኻ ምእንቲ ኺናገፉ። ብየማነይትኻ ኣድሕን እሞ ስምዓና። |
| 6. | ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበ፣ ኣነ ኽዕወት፣ ንሴኬም ክመቕሎ፣ ንለሰ ሱኰትውን ብመስፈሪ ኽሰፍሮ እየ። |
| 7. | ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴ ከኣ ናተይ እዩ። ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይ፣ ይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ። |
| 8. | ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ፣ ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ። ዎ ፍልስጥኤም፣ እልል በልለይ። |
| 9. | ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፣ ናብ ኤዶምሲ መን ኰን ይመርሓኒ፣ |
| 10. | ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፣ ንስኻ ዎ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፣ |
| 11. | ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና። |
| 12. | ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ። |
| ← Psalms (60/150) → |