Psalms (6/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።
2. ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።
3. ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መኣዝ፣
4. ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5. ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፣
6. ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ብመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ።
7. ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትኣርግ አላ።
8. እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።
9. እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10. ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።

  Psalms (6/150)