Psalms (58/150)  

1. ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡ፣ ሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፣
2. ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደኣ ትብድሉ፣ ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ።
3. ረሲኣን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፣ ሓሰውቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ።
4. ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።
5. ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።
6. ዎ ኣምላኽ፣ ኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮ፣ ጐይታየ፣ ኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ።
7. ከም ዚኵዖ ማይ ይከዐዉ። ፍላጻታቱ እንተ ገተረን፣ ይጕደማ።
8. ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚመክኽ ኣረነ፣ ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።
9. ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦ፣ ህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ።
10. ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስ፣ ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ።
11. ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ አለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ አሎ፣ ኪብሉ እዮም።

  Psalms (58/150)