| ← Psalms (57/150) → | 
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ፣ ነፍሰይ ኣባኻ ተዕቍብ አላ እሞ፣ ምሐረኒ፣ እቲ መዓት ክሳዕ ዚሐልፍ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ተጸጊዔ እኔኹ። | 
| 2. | ናብ ልዑል ኣምላኽ፣ ናብቲ ዚፍጽመለይ ኣምላኽ ኤእዊ አሎኹ። | 
| 3. | ንሱ፣ እቲ ወሓጥየይ፣ ኪጸርፈኒ ኸሎ፣ ካብ ሰማይ ልኢኹ ኼድሕነኒ እዩ፣ ሴላ። ጸጋኡን ሓቁን ኪልእኽ እዩ። | 
| 4. | ነፍሰይ ኣብ ማእከል ኣናብስ እያ፣ ኣብ ማእከል እቶም ሓዊ ዚተፍኡ፣ ኣብ ማእከል እቶም ኣስናኖም ኵናትን ፍላጻን፣ መልሓሶም ከኣ ስሑል ሰይፊ ዝዀነ ሰባት እድቅስ አሎኹ። | 
| 5. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። | 
| 6. | ንስጕምተይ መጻወድያ ኣጻወዱለይ፣ ነፍሰይ ጐበጠት፣ ኣብ ቅድመይ ጕድጓድ ኰዐቱ፣ ኣብኡውን ወደቑ። ሴላ። | 
| 7. | ልበይ ኣንቂዱ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ልበይ ኣንቂዱ፣ ክዝምርን ከመስግንን፣ እየ። | 
| 8. | ክብረየ፣ ንቕሒ፣ በገናን መሰንቆን ንቕሑ፣ ንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ። | 
| 9. | ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ። | 
| 10. | ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት ዓብዪ፣ ሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣ | 
| 11. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በል፣ ክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን። | 
| ← Psalms (57/150) → |