Psalms (56/150)  

1. ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ።
2. ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ።
3. በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል።
4. ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፣
5. ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይከራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ።
6. ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም ኣሞ፣ ስጕምተይ ይስልዩ አለዉ።
7. ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፣ ዎ ኣምላኽ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም።
8. ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፣
9. በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ አሎኹ።
10. ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ አሎኹ።
11. ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፣
12. ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።
13. ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ።

  Psalms (56/150)