| ← Psalms (56/150) → | 
| 1. | ኵሉ መዓልቲ ሰልፈኛታት የጨንቑኒ፣ ኪውሕጡኒ ይደልዩ አለዉ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ምሐረኒ። | 
| 2. | ብትዕቢት ዚዋግኡኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ኵላ መዓልቲ ተጸናተውተይ ኪውሕጡኒ ይደልዩ። | 
| 3. | በቲ ዝፈርሃሉ ጊዜ ኣባኻ እውከል። | 
| 4. | ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ስጋኸ እንታይ ከይገብረኒ፣ | 
| 5. | ኵሉ መዓልቲ ንቓላተይ ይከራኸርዎ፣ ብዘሎ ሓሳባቶም ንጕድኣተይ እዩ። | 
| 6. | ተአኪቦም የድብዩለይ፣ ነፍሰይ ይደልዩ እዮም ኣሞ፣ ስጕምተይ ይስልዩ አለዉ። | 
| 7. | ብበደሎምዶ ኺድሕኑ እዮም፣ ዎ ኣምላኽ ብዅራኻ ነህዛብ ኣውድቆም። | 
| 8. | ንስኻ ንምዅብላለይ ቈጸርካ፣ ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ፣ ኣብ መጽሓፍካዶ ኣይተጻሕፈን፣ | 
| 9. | በታ ዘእውየላ መዓልቲ ጸላእተይ ንድሕሪት ኪምለሱ እዮም። ኣምላኽ ምሳይ ከም ዘሎ፣ እዚ እፈልጥ አሎኹ። | 
| 10. | ብኣምላኽ ንቓሉ ኤመስግኖ፣ ብእግዚኣብሄር ንቓሉ ኤመስግኖ አሎኹ። | 
| 11. | ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን፣ ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፣ | 
| 12. | ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ። | 
| 13. | ዎ ኣምላኽ፣ መብጽዓኻ ኣብ ልዕለይ አሎ፣ ኣብ ብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክመላለስሲ፣ ንነፍሰይ ካብ ሞት፣ ነእጋረይውን ካብ ውድቀት ኣድሒንካየን ኢኻ እሞ፣ መስዋእቲ ምስጋና ከቕርበልካ እየ። | 
| ← Psalms (56/150) → |