| ← Psalms (55/150) → |
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሓባእ። |
| 2. | ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፍዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቝዝማይ ህድኣት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ። |
| 3. | ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፍዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቝዝማይ ህድኣት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ። |
| 4. | ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ። |
| 5. | ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ። |
| 6. | ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ፣ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ። |
| 7. | እንሆ፣ ኣርሒቐ ምሀደምኩ፣ ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ። ሴላ። |
| 8. | ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ። |
| 9. | ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ፣ ኣጥፍኣዮም፣ መላሕሶም ፈላሊ። |
| 10. | ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፣ በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ። |
| 11. | ሕሰም ኣብ ውሽጣ አሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን። |
| 12. | ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኽውንሲ ምተሐባእኩ፣ |
| 13. | ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብኣይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ። |
| 14. | ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና። |
| 15. | እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ። |
| 16. | ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል አሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ። |
| 17. | ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቝዝም እህህውን እብል አሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ። |
| 18. | ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ። |
| 19. | ኣይልውጡን፣ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ። ሴላ። |
| 20. | ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ። |
| 21. | ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተምሰተ ኣስያፍ እዩ። |
| 22. | ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጐን። |
| 23. | ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቝ ጕድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሜኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግን ኣባኻ እውከል አሎኹ። |
| ← Psalms (55/150) → |