| ← Psalms (54/150) → | 
| 1. | ዎ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድሕነኒ፣ ብስልጣንካውን በይነለይ። | 
| 2. | ዎ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ። | 
| 3. | ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። ሴላ። | 
| 4. | እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ። | 
| 5. | ንእከይ ናብ ጸላእተይ ክመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም። | 
| 6. | ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ። | 
| 7. | ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም። | 
| ← Psalms (54/150) → |