Psalms (54/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ ብስምካ ኣድሕነኒ፣ ብስልጣንካውን በይነለይ።
2. ዎ ኣምላኽ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ ንቓላት ኣፈይ ጽን በሎ።
3. ከመይሲ ጓኖት ተንሲኦምኒ፣ ዓመጽቲውን ንነፍሰይ ይደልይዋ አለዉ። ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይገበርዎን። ሴላ።
4. እንሆ፣ ኣምላኽ ረዳእየይ እዩ፣ ጐይታይሲ ኣብ ማእከል እቶም ንነፍሰይ ዚድግፍዋ እዩ።
5. ንእከይ ናብ ጸላእተይ ክመልሶ እዩ፣ ብሓቅኻ ኣጥፍኣዮም።
6. ፈትየ መስዋእቲ ከቕርበልካ፣ ጐይታየ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ከመስግኖ እየ።
7. ንሱ ኻብ ኵሉ ጸበባ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፣ ዓይነይ ንጸላእተይ ባህ ኢልዋ ረአየቶም።

  Psalms (54/150)