Psalms (53/150)  

1. ዓሻ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን።
2. ኣምላኽሲ፣ ሓደ ለባም ንኣምላኽ ዚደልዮ እንተሎ ኺርኢ፣ ኻብ ሰማያት ናብ ደቂ ሰብ ኣንቈልቈሉ ይጥምት።
3. ኵሎም ዐልዮም፣ ብዘለዉ ተባላሽዮም፣ ሰናይ ዚገብር የልቦን፣ ሓደ እኳ የልቦን።
4. እቶም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዚበልዕዎ፣ ናብ ኣምላኽ ድማ ዘይምህለሉ ገበርቲ እከይሲ፣ ከቶዶ ምስትውዓል የብሎምን እዮም፣
5. ኣምላኽ ነዕጽምቲ እቶም ዝኸበቡኻ ፋሕ ኣቢልዎ እዩ እሞ፣ ኣብታ መሰምበዲ ዘይነበራ ኣዝዮም ሰምበዱ፣ ኣምላኽ ደርብይዎም እዩ እሞ፣ ንስኻ ኣሕፈርካዮም።
6. ኣየ፣ ምድሓን እስራኤልሲ ኻብ ጽዮንያ እንተ ዚመጽእ። ኣምላኽ ነቶም ምሩኻት ህዝቡ ምስ ዜምልሶም፣ ያእቆብ ኪሕጐስ፣ እስራኤል ከኣ ባህ ኪብሎ እዩ።

  Psalms (53/150)