Psalms (52/150)  

1. ኣታ ሓያል፣ ስለምንታይ ብእከይ እትምከሓሉ፣ ጸጋ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር።
2. ኣታ መታለሊ፣ መልሓስካ ኸም በሊሕ መላጸ ጥፍኣት ትምህዝ አላ።
3. ካብ ሰናይሲ እከይ፣ ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ አሎኻ ሴላ።
4. ኣቲ ሓሳዊት መልሓስ፣ ቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ አሎኺ።
5. ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኼጥፍኣኪ እዩ፣ ኪሕዘኪ ኻብ ድንኳንኪውን ኪምንጥለኪ፣ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ። ሴላ።
6. ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፣ ብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብኣይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም።
7. ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፣ ብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብኣይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም።
8. ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለኣለመ ኣለም እውከል።
9. እዚ ስለ ዝገበርካ፣ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።

  Psalms (52/150)