| ← Psalms (50/150) → |
| 1. | እቲ ስልጡን ኣምላኽ፣ እግዚኣብሄር፣ ተዛረበ፣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ንምድሪ ጸውዓ። |
| 2. | ካብ ጽዮን፣ እታ ፍጻሜ መልክዕ፣ ኣምላኽ ደመቐ። |
| 3. | ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ አሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ። |
| 4. | ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ አሎ። |
| 5. | ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ አሎ። |
| 6. | ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ፣ ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ። ሴላ። |
| 7. | ኣታ ህዝበይ፣ ኣነ ኽዛረብሲ ስማዕ፣ ኣታ እስራኤል፣ ኣነ ኽምስክር እየ፣ ኣነ ኣምላኽሲ ፣ ኣምላኽካ እየ። |
| 8. | ብዛዕባ መስዋእትታትካ ኣይወቕሰካን፣ መስዋእትታት ምሕራርካ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። |
| 9. | ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። |
| 10. | ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። |
| 11. | ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ካብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን። |
| 12. | ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፣ እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን። |
| 13. | ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕ፣ ደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ፣ |
| 14. | መስዋእቲ ምስጋና ንኣምላኽ ሰውኣሉ፣ መብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ። |
| 15. | ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፣ ኣነ ኸናግፈካ እየ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ። |
| 16. | ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፣ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፣ |
| 17. | ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፣ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግር፣ ንኺዳነይውን ብኣፍካ እተውስኦ፣ |
| 18. | ሰራቒ ምስ ርኤኻ፣ ምስኡ ሐበርካ፣ ክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ። |
| 19. | ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮ፣ መልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ። |
| 20. | ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሐምዮ፣ ንወዲ እኖኻውን ተነውሮ አሎኻ። |
| 21. | እዚ እናገበርካስ፣ ኣነ ስቕ በልኩልካ፣ እህ፣ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፣ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፣ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቝሞ እየ። |
| 22. | ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፣ ኣነ ኸይሰላልዓኩም እሞ፣ ዜናግፈኩም ከይትስእኑስ፣ ነዚ ኣስተብህልዎ። |
| 23. | መስዋእቲ ምስጋና ዚስውኣለይ የኽብረኒ፣ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ። |
| ← Psalms (50/150) → |