| ← Psalms (49/150) → |
| 1. | ኵሉኹም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሐቢርኩም ጽን በሉ። |
| 2. | ኵሉኹም ኣህዛብ፣ እዚ ስምዑ፣ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዅሉኹም፣ ሕሱራትን ክቡራትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ሐቢርኩም ጽን በሉ። |
| 3. | ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፣ ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ። |
| 4. | እዝነይ ናብ ምስላታት ኤድንን፣ ስዉር ፍልጠተይውን ብበገና እገልጽ አሎኹ። |
| 5. | እከይ እቶም ዚረግጹኒ ኪኸበኒ ኸሎ፣ ብመዓልቲ ጸገማ ንምንታይ እየ ዝፈርህ፣ |
| 6. | እቶም ኣብ ገንዘቦም ዚውከሉ፣ ብብዝሒ ሃብቶም ከኣ ዚምክሑ ዘለዉስ፣ |
| 7. | ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ። |
| 8. | ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ። |
| 9. | ንሓዋሩ ኺነብር ጥፍኣትውን ከይርኢ፣ ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ፣ ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን፣ ጋር ነፍሶም ክቡር፣ ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ። |
| 10. | ጢቢባን ከም ዚሞቱ፣ ዓሻን ደንቈሮን ሐቢሮም ከም ዚጠፍኡ፣ ገንዘቦም ድማ ንኻልኦት ከም ዚሐድጉሎምሲ ኺርኢ ደኣ እዩ። |
| 11. | ኣባይቶም ንዘለኣለም፣ ንመሓድሮም ካብ ወለዶ ንወለዶ ኸም ዚነብር፣ ውሽጣዊ ሓሳቦም እዩ። ንምድሮም በብስሞም ይሰምይዎ አለዉ። |
| 12. | ግናኸ ሰብ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል፣ ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን እዩ። |
| 13. | እዛ መገዶምሲ ዕሽነቶም እያ፣ ድሕሪኦም ዚመጹውን ንባህሎም ይሰምርዎ። ሴላ። |
| 14. | ከም ኣባጊዕ ኣብ ሲኦል ይነብሩ፣ ሞት ይጓስዮም። ንግሆ ቅኑዓት ይገዝእዎም፣ ውቃቢኦም ኣብ ሲኦል ይጠፍእ፣ ማሕደርውን የብሎምን። |
| 15. | ኣምላኽ ግና ኪቕበለኒ እዩ እሞ፣ ንሱ ንነፍሰይ ካብ ኢድ ሲኦል ኬናግፋ እዩ። ሴላ። |
| 16. | ሰብ እንተ ሀብተመ። |
| 17. | ክብሩ ኣስኣሰሩ ኣይወርድን እዩ እሞ፣ ምስ ዚመውት፣ ገለ እኳ ኣይማላእን። |
| 18. | ሽሕ እኳ ብህይወቱ ነፍሱ እንተ ኣመስገነ፣ ንርእስኻ ሰናይ እንተ ገበርካላ፣ ሰባትውን እንተ ነአዱኻ፣ |
| 19. | ንስኻስ ናብቶም ከቶ ብርሃን ዘይርእዩ ዓሌት ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ። |
| 20. | ምስትውዓል ዜብሉ ሰብ ብኽብሩ እኳ ነተን ዚጠፍአ እንስሳ እዩ ዚመስል። |
| ← Psalms (49/150) → |