| ← Psalms (48/150) → |
| 1. | ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፣ እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ። |
| 2. | ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፣ ሓጐስ ኵላ ምድሪ፣ ብውበታ ልዕል ትብል። |
| 3. | ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። |
| 4. | እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡ፣ ሐቢሮም ሐለፉ። |
| 5. | ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ። |
| 6. | ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም። |
| 7. | ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቅ ትሰባብረን። |
| 8. | ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ። ሴላ። |
| 9. | ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ። |
| 10. | ዎ ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ። |
| 11. | ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፣ ኣዋልድ ይሁድ እልል ይብላ። |
| 12. | ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱ፣ ግምብታታ ቝጸሩ። |
| 13. | ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፣ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ። |
| 14. | እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ። |
| ← Psalms (48/150) → |