Psalms (48/150)  

1. ኣብ ከተማ ኣምላኽና፣ ኣብታ ቕድስቲ ኸረኑ፣ እግዚኣብሄር ዓብይን ኣዝዩ ምስጉንን እዩ።
2. ከረን ጽዮን ኣብ ወገን ሰሜን፣ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ፣ ሓጐስ ኵላ ምድሪ፣ ብውበታ ልዕል ትብል።
3. ኣምላኽ ኣብ ኣደራሻታ እምባ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።
4. እንሆ፣ ነገስታት ተአከቡ፣ ሐቢሮም ሐለፉ።
5. ርእዮም ተደነቑ፣ ተሸቢሮም ሀደሙ።
6. ኣብኡ፣ ከምቲ ጻዕሪ ናይ እትሐርስ ሰበይቲ፣ ምንቅጥቃጥ ሐዞም።
7. ንስኻ ንመራኽብ ተርሲስ ብንፋስ ምብራቅ ትሰባብረን።
8. ከምቲ ዝሰማዕናዮ፣ ኣብ ከተማ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና ኸምኡ ርኤና፣ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬጽንዓ እዩ። ሴላ።
9. ዎ ኣምላኽ፣ ኣብ ውሽጢ መቕደስካ ንሳህልኻ ሐሰብናዮ።
10. ዎ ኣምላኽ፣ ከምቲ ስምካ ከምኡ ምስጋናኻ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ እዩ፣ የማነይቲ ኢድካ ጽድቂ መሊኣ ኣላ።
11. ብፍርድታትካ ኸረን ጽዮን ትሕጐስ፣ ኣዋልድ ይሁድ እልል ይብላ።
12. ንጽዮን ዙርዋ፣ ብዙርያኣ ተመላለሱ፣ ግምብታታ ቝጸሩ።
13. ንዚመጽእ ወለዶ ኽትነግሩስ፣ ቀጽርታታ ኣስተብህሉ፣ ኣደራሻታ ኣስተውዕሉ።
14. እዚ ኣምላኽ እዚ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽና እዩ እሞ፣ ንሱ ኽሳዕ ሞት ኪመርሓና እዩ።

  Psalms (48/150)