Psalms (47/150)  

1. ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።
2. ልዑል እግዚኣብሄር ዜፍርህ እዩ እሞ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
3. ንሱ ንህዝብታት ኣብ ትሕቴና፣ ነህዛብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርና የግዝኦም።
4. ንኽብሪ ያእቆብ፣ ፈታዊኡ፣ ርስትና ኪዀነልና ይሐርየልና። ሴላ።
5. ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚኣብሄር ብደሃይ መለኸት ደየበ።
6. ምስጋና ኣምላኽ ዘምሩ፣ ዘምሩ። ምስጋና ንጉስና ዘምሩ፣ ዘምሩ።
7. ኣምላኽ ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፣ መዝሙር ምስጋና ዘምሩሉ።
8. ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ነጊሱ፣ ኣምላኽ ኣብታ ቕድስቲ ዝፋኑ ይቕመጥ።
9. መሳፍንቲ ኣህዛብሲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብርሃም ኪዀኑ ይእከቡ አለዉ። ዋልታታት ምድሪ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ንሱ ኣዝዩ ልዕል በለ።

  Psalms (47/150)