Psalms (45/150)  

1. ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብል፣ ልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።
2. ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕ፣ ውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለኣለም ባረኽካ።
3. ኣታ ጅግና፣ ሰይፍኻ ኣብ ሕቜኻ ዕጠቕ፣ ክብርኻን ግርማኻን ልበስ።
4. ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእ፣ የማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ።
5. ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይአትዋ። ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ።
6. ዎ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለአለመ ኣለም እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ።
7. ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ።
8. ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑ፣ ኣብ ኣደራሽ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ አሎ።
9. ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም አላ።
10. ጓለየ፣ ስምዒ፣ ርአዪውን፣ እዝንኺ ኸኣ ኣድንኒ፣ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ።
11. ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጐ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ።
12. ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትን፣ ገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም።
13. ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ።
14. ዝንጕርጕር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉስ ኬእትውዋ፣ ብድሕሪኣ ኣዳኖታታ ደናግል ናባኻ ኺወስድወን እዮም።
15. ብሓጐስን እልልታን ተዐጂበን ኪመጻ፣ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኪአትዋ እየን።
16. ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ።
17. ካብ ወለዶ ንወለዶኻ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ህዝብታት ንዘለኣለም ኬመስግኑኻ እዮም።

  Psalms (45/150)