Psalms (43/150)  

1. ዎ ኣምላኽ፣ በይነለይ፣ ምስቲ ምሕረት ዜብሉ ህዝቢ ተማጐተለይ፣ ካብ ሓሳውን ዓማጽን ሰብ ኣድሕነኒ።
2. ኣምላኽ ሓይለይ ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለምንታይ ደርቤኻኒ፣ ስለምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ እኸይድ አሎኹ፣
3. ብርሃንካን ሓቅኻን ልአኽ፣ ንሳተን ይምርሓኒ፣ ናብ ቅድስቲ ኸረንካን ናብ ማሕደራትካን የብጽሓኒ።
4. ሽዑ ናብ መሰውኢ ኣምላኽ፣ ናብ ኣምላኽ ደስታይን ታሕጓሰይን ክአቱ እየ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኣምላኸየ፣ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
5. ነፍሰይ፣ ስለምንታይ ትጕህዪ፣ ስለምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

  Psalms (43/150)