Psalms (42/150)  

1. እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ አላ።
2. ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ አላ፣ መኣዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፣
3. ኵሉ ጊዜ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፣ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ።
4. ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘርከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት።
5. ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።
6. ዎ ኣምላኸይ፣ ንፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ አላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ አሎኹ።
7. ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቝ ንመዓሙቝ ይጽውዖ፣ ሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ።
8. እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድ፣ ብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ አሎ፣ ንኣምላኽ ህይወተይውን እልምን።
9. ኣነ ንኣምላኽ፣ ከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፣ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድ፣ እብሎ አሎኹ።
10. ኵሉ መዓልቲ፣ ኣምላኽካ ኣበይ አሎ፣ እናበሉ፣ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዚቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ።
11. ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፣ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ አሎኺ፣ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

  Psalms (42/150)