| ← Psalms (41/150) → |
| 1. | ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፣ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ። |
| 2. | እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ። ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን። ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ። |
| 3. | ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፣ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ። |
| 4. | ጐይታየ፣ በዲለካ እየ እሞ፣ ምሐረኒ፣ ንነፍሰይ ኣሕውያ፣ በልኩ። |
| 5. | ጸላእተይ፣ መኣዝ ኰን ኪመውት፣ መኣዝሲ ስሙ ኺጠፍእ እዩ፣ ኢሎም ብኣይ ክፉእ ይዛረቡ አለዉ። |
| 6. | ሓደ እንተ በጽሓኒ፣ ብልግሚ ይዛረብ፣ ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፣ ምስ ወጸ ይዛረቦ። |
| 7. | ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽዅ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ አለው። |
| 8. | ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽዅ፣ ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ አሎ፣ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፣ ከቶ ኣይኪትንስእን እዩ፣ እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ አለው። |
| 9. | እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀንኡ ኣልዐለለይ። |
| 10. | ንሳኻ ግና፣ ጐይታየ፣ ምሐረኒ፣ ክፈድዮም ከኣ ኣተንስኣኒ። |
| 11. | ጸላእየይ እንተ ዘይተዐወተለይ፣ በዚ ንስኻ ኸም ዝበሀግካኒ እፈልጥ አሎኹ። |
| 12. | ንኣይስ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለኣለም ተንብረኒ አሎኻ። |
| 13. | እግዚኣብሄር፣ ኣምላኽ እስራኤል፣ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣልም ይባረኽ። ኣሜን፣ ኣሜን። |
| ← Psalms (41/150) → |