| ← Psalms (40/150) → |
| 1. | ንእግዚኣብሄር ተዐጊሰ ተጸቤኽዎ፣ ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዔ። |
| 2. | ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፣ ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽኣኒ፣ ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቝሙ፣ ንስጕምተይ ኣጽንዖ። |
| 3. | ሓድሽ መዝሙር ምስጋና ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ። ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፣ ናብ እግዚኣብሄርውን ኪውከሉ እዮም። |
| 4. | እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ። |
| 5. | ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፣ ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን። ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደሌኹስ፣ ምቝጻሩ ዘይከአል ብዙሕ እዩ። |
| 6. | ንመስዋእትን መባእን ባህጉ፣ የብልካን፣ ኣእዛነይ ከፈትካለይ፣ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይትደል ኢኻ። |
| 7. | ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። |
| 8. | ሽዑ፣ እኔኹ መጻእኩ፣ ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ አሎ። ኣምላኸየ፣ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ፣ ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፣ በልኩ። |
| 9. | ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፣ እንሆ፣ ከናፍረይ ኣይዐጾኹን፣ ጐይታየ፣ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ። |
| 10. | ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሐባእክዎን፣ እሙን ምዃንካንን ምድሓንካን ነገርኩ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሐባእኩን፣ |
| 11. | ጐይታየ፣ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ፣ ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ። |
| 12. | ቍጽሪ ዜብሉ መከራ ኸቢቡኒ፣ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፣ በደለይ ኣርኪቡኒ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፣ ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ። |
| 13. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ንምንጋፈይ ስመር፣ ጐይታየ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። |
| 14. | ንነፍሰይ ኬጥፍእዋ ዚደልዩ ዅሎም ሐቢሮም ይሕፈርን ይነውሩን። እቶም ብመከራይ ዚሕጐሱ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። |
| 15. | እቶም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዚብሉኒ ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ። |
| 16. | ንኣኻ ዚደልዩ ዅሎም ይተሐጐሱ፣ ብኣኻውን ባህ ይበሎም። ምድሓንካ ዜፍቅሩ ዘበሉ፣ ከየብኰሩ፣ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። |
| 17. | ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፣ እግዚኣብሄር ግና ይሐልየለይ አሎ። ረዳእየይን መናገፍይይን ንስኻ ኢኻ፣ ኣምላኸየ፣ ኣይትደንጕ። |
| ← Psalms (40/150) → |