Psalms (4/150)  

1. ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ።
2. ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣዝ እዩ ዚሐስር፣ ክሳዕ መኣዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፣ ሴላ።
3. እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ።
4. ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። ሴላ።
5. መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ።
6. ብዙሓት፣ ንሰናይ መንእዩ ዜርእየና፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።
7. ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

  Psalms (4/150)