| ← Psalms (4/150) → | 
| 1. | ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፣ ከእዊ ኸሎኹ፣ ምለሰለይ፣ ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፣ ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ። | 
| 2. | ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣዝ እዩ ዚሐስር፣ ክሳዕ መኣዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፣ ሓሶትውን ትደልዩ፣ ሴላ። | 
| 3. | እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሐረዮ፣ ፍለጡ። እግዚኣብሄር፣ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፣ ይሰምዕ እዩ። | 
| 4. | ኰርዩ እሞ ኣይትአብሱ፣ ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን ስቕ በሉን። ሴላ። | 
| 5. | መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ። | 
| 6. | ብዙሓት፣ ንሰናይ መንእዩ ዜርእየና፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና። | 
| 7. | ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሔ ዚሕጐስዎ ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ። | 
| 8. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ። | 
| ← Psalms (4/150) → |