Psalms (39/150)  

1. ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ።
2. ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ።
3. ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፣ ከስተንትን ከሎኹ፣ ሓዊ ተቓጸለ፣ ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፣
4. ዎ እግዚኣብሄር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።
5. እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፣ ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። ሴላ።
6. ብሓዊ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣ እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽ፣ ይድልብ፣ ንመን ምዃንውን ኣይፈልጥን።
7. ሕጂኸ፣ እንታይ እጽበ አሎኹ፣ ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።
8. ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ ኣይትግበረኒ።
9. ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣ ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን።
10. ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ አሎኹ፣ ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ።
11. ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕክዮ፣ ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። ሴላ።
12. ኣብ ቅድሚኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣበታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።
13. ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ክቐስንሲ፣ ሕደገኒ።

  Psalms (39/150)