| ← Psalms (39/150) → |
| 1. | ብመልሓሰይ ከይስሕት፣ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፣ ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንኣፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ። |
| 2. | ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ። |
| 3. | ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፣ ከስተንትን ከሎኹ፣ ሓዊ ተቓጸለ፣ ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፣ |
| 4. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ። |
| 5. | እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፣ ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። ሴላ። |
| 6. | ብሓዊ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣ እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽ፣ ይድልብ፣ ንመን ምዃንውን ኣይፈልጥን። |
| 7. | ሕጂኸ፣ እንታይ እጽበ አሎኹ፣ ጐይታየ፣ ተስፋይ ብኣኻ እዩ። |
| 8. | ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፣ መላገጽ ዓያሱ ኣይትግበረኒ። |
| 9. | ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣ ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን። |
| 10. | ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ አሎኹ፣ ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ። |
| 11. | ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕክዮ፣ ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። ሴላ። |
| 12. | ኣብ ቅድሚኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣበታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይ፣ ጸሎተይ ስማዕ፣ እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል። |
| 13. | ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ክቐስንሲ፣ ሕደገኒ። |
| ← Psalms (39/150) → |