| ← Psalms (38/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትገስጸኒ፣ ብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ። |
| 2. | ፍላጻታትካ ወጊኤናኒ እየን እሞ፣ ኢድካ ኸቢዳትኒ አላ። |
| 3. | በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ። |
| 4. | በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ። |
| 5. | ብሰሪ ዕሽነተይ፣ ኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን አሎ። |
| 6. | ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፣ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ። |
| 7. | ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፣ ስጋይሲ ጥዑይ ይብሉን። |
| 8. | ኣነ ሰንሰንኩ፣ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ። |
| 9. | ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን። |
| 10. | ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፣ ሓይለይ ይጠልመኒ አሎ፣ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ። |
| 11. | ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ክብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ አለዉ። |
| 12. | ንነፍሰይ ዝደልዩ ኸኣ መጻወድያ የጻውዱለይ፣ ጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ አለዉ። |
| 13. | ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕን፣ ኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ። |
| 14. | እወ፣ ከም ዘይሰምዕ፣ ብኣፉውን ምላሽ ዜብሉ ሰብኣይ ኰንኩ። |
| 15. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ብኣኻ ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፣ ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ። |
| 16. | እግረይ እንተ ኣንደልሀጸ፣ ከይዕበዩለይ እሞ፣ ብኣይ ከይሕጐሱ፣ በልኩ። |
| 17. | ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፣ ስቓየይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ። |
| 18. | በደለይ እናዘዝ አሎኹ እሞ፣ ብሓጢኣተይ እጕሂ አሎኹ። |
| 19. | ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም። ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም። |
| 20. | ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ አለዉ። |
| 21. | ጐይታይ፣ ኣይትሕደገኒ፣ ኣምላኸይ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ። |
| 22. | ጐይታይ፣ ምድሓነይ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ። |
| ← Psalms (38/150) → |