Psalms (36/150)  

1. ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን።
2. ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ፣ በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ እሞ፣
3. ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፣ ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሐዲጉ።
4. ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፣ ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውም፣ ንእከይ ኣይጽየፎን እዩ።
5. ዎ እግዚኣብሄር፣ ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት፣ እምነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ።
6. ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየ፣ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።
7. ዎ ኣምላኽ፣ ሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ።
8. ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም።
9. ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና።
10. ሳህልኻ ነቶም ዚፈልጡኻ፣ ጽድቅኻውን ንቕኑዓት ልቢ ወስኽ።
11. እግሪ ዕቡይ ኣይምጽኣኒ። ኢድ ረሲኣን ኣይትስጐጐኒ።
12. እንሆ፣ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብኣ ወደቑ። ተፈገሙ፣ ኪትንስኡ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም።

  Psalms (36/150)