| ← Psalms (35/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብኣሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም። |
| 2. | ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ። |
| 3. | ኵናት ኣምበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ። |
| 4. | ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። |
| 5. | ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝብቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም። |
| 6. | ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጐም። |
| 7. | ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጐም። |
| 8. | ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞ፣ ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ። |
| 9. | ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። |
| 10. | ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎ፣ ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣’ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፣ ኪብላ እየን። |
| 11. | ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ |
| 12. | ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዩኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ አላ። |
| 13. | ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ። |
| 14. | ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፣ ብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ። |
| 15. | እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይ፣ ኣይፈለጥኩን ከኣ፣’ ቀደዱኒ ኣይሐደጉንንውን። |
| 16. | ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ። |
| 17. | ጐይታየ፣ ክሳዕ መኣዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፣ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። |
| 18. | ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣’ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ። |
| 19. | ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ። |
| 20. | ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ። |
| 21. | ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶ፣ ይብሉ አለዉ። |
| 22. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ። |
| 23. | ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ። |
| 24. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣምላኸይ፣ ከም ጽድቅካ በይነለይ፣ ብኣይ ድማ ኣይተሐጕሶም። |
| 25. | ብልቦም፣ ኣሰይ፣ ድሌትና ዀነ፣ ኣይበሉ፣ ወሐጥናዮ፣ ኣይበሉ። |
| 26. | ነቶም ብጸገመይ ዚሕጐሱ ዅሎም ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፣ እቶም ዚዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ። |
| 27. | እቶም ንጽድቀይ ዚፈትዉ እልል ይበሉን ይተሐጐሱን፣ ኵሉ ጊዜውን፣ ናይ ባርያኡ ሰላም ዚፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፣ ይበሉ። |
| 28. | መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፣ ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ። |
| ← Psalms (35/150) → |