Psalms (34/150)  

1. ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርዀ፣ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።
2. ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም።
3. ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።
4. ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ።
5. ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን።
6. እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፣ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ።
7. መልኣኸ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።
8. እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
9. ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ።
10. ኰረኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፣ ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን።
11. ደቀየ፣ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ፣ ንዑ ስምዑኒ።
12. ህይወት ዚፈቱ፣ ጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፣
13. መልሓስካ ኻብ እከይ፣ ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ፣
14. ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን።
15. ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፣ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።
16. ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስ፣ ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ።
17. ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም።
18. እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
19. ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።
20. ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።
21. ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፣ ንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪኹነኑ እዮም።
22. እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቍቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይዅነንን እዩ።

  Psalms (34/150)