Psalms (31/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።
2. እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ፣ ጽኑዕ ከውሒ፣ ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ።
3. እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን።
4. ንስኻ ጸግዔይ ኢኻ እሞ፣ ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ።
5. ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ፣ ኣድሒንካኒ ኢኻ።
6. ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል።
7. ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።
8. ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።
9. ዎ እግዚኣብሄር፣ ጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሐረኒ፣ ዓይነይ፣ ነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ።
10. ህይወተይ ብጓሂ፣ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፣ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፣ ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፣
11. ብሰሪ ዅላቶም ጸላእተይሲ መጻረፊ ዀይነ፣ ንጐረባብተይ ኣውራ መጻረፊ፣ ንዚፈልጡኒ መፍርሂ ዀይነ፣ እቶም ኣብ ኣደባባይ ዚርእዩኒ ኻባይ ይሀድሙ አለዉ።
12. ከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዔ፣ ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ።
13. ሕሜት ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ወገን ስምባድ አሎ። ንጕድኣተይ ኪመኽሩ ኸለዉ፣ ንህይወተይ ኪነጥቅዋ ጠላለፉ።
14. ኣነ ግና፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ኣነስ፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልኩ።
15. ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።
16. ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ፣ ንሳህልኻ ኣድሕነኒ።
17. ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ አሎኹ እሞ፣ ኣይትሕፍረኒ። ረሲኣን ይሕፈሩ፣ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ።
18. እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዐበሳ ደኣ።
19. ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዚምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ።
20. ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፣ ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሐብኦም።
21. ኣብ ጽንዕቲ ኸተማ ዜደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ይባረኽ።
22. ኣነስ ብስምባደይ፣ ካብ ኣዒንትኻ ተሰጕጐ እየ፣ በልኩ፣ ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ግና፣ ድምጺ ጸሎተይ ሰማዕካ።
23. ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም፣ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ። እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም፣ ንዕቡይ ከኣ ኣብዚሑ ይፈድዮ እዩ።
24. ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፣ በርትዑ፣ ልብኹምውን ይጽናዕ።

  Psalms (31/150)