| ← Psalms (31/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ። |
| 2. | እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ፣ ጽኑዕ ከውሒ፣ ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ። |
| 3. | እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን። |
| 4. | ንስኻ ጸግዔይ ኢኻ እሞ፣ ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ። |
| 5. | ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ፣ ኣድሒንካኒ ኢኻ። |
| 6. | ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል። |
| 7. | ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ። |
| 8. | ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ። |
| 9. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሐረኒ፣ ዓይነይ፣ ነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ። |
| 10. | ህይወተይ ብጓሂ፣ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፣ ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፣ ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፣ |
| 11. | ብሰሪ ዅላቶም ጸላእተይሲ መጻረፊ ዀይነ፣ ንጐረባብተይ ኣውራ መጻረፊ፣ ንዚፈልጡኒ መፍርሂ ዀይነ፣ እቶም ኣብ ኣደባባይ ዚርእዩኒ ኻባይ ይሀድሙ አለዉ። |
| 12. | ከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዔ፣ ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ። |
| 13. | ሕሜት ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ወገን ስምባድ አሎ። ንጕድኣተይ ኪመኽሩ ኸለዉ፣ ንህይወተይ ኪነጥቅዋ ጠላለፉ። |
| 14. | ኣነ ግና፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ኣነስ፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልኩ። |
| 15. | ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ። |
| 16. | ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ፣ ንሳህልኻ ኣድሕነኒ። |
| 17. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ አሎኹ እሞ፣ ኣይትሕፍረኒ። ረሲኣን ይሕፈሩ፣ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ። |
| 18. | እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዐበሳ ደኣ። |
| 19. | ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዚምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ። |
| 20. | ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፣ ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሐብኦም። |
| 21. | ኣብ ጽንዕቲ ኸተማ ዜደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ይባረኽ። |
| 22. | ኣነስ ብስምባደይ፣ ካብ ኣዒንትኻ ተሰጕጐ እየ፣ በልኩ፣ ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ግና፣ ድምጺ ጸሎተይ ሰማዕካ። |
| 23. | ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም፣ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ። እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም፣ ንዕቡይ ከኣ ኣብዚሑ ይፈድዮ እዩ። |
| 24. | ኣቱም ብእግዚኣብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፣ በርትዑ፣ ልብኹምውን ይጽናዕ። |
| ← Psalms (31/150) → |