| ← Psalms (30/150) → |
| 1. | ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ልዕል ኤብለካ አሎኹ። |
| 2. | ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ። |
| 3. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጕድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ። |
| 4. | ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ። |
| 5. | ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ። |
| 6. | ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ። |
| 7. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጐስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ። |
| 8. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣ |
| 9. | ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፣ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኰ ድዩ፣ |
| 10. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ስማዕ እሞ ምሐረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን። |
| 11. | ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ። |
| 12. | ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ። |
| ← Psalms (30/150) → |