Psalms (30/150)  

1. ንላዕሊ ስሒብካኒ፣ ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሐጐስካዮምን እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ልዕል ኤብለካ አሎኹ።
2. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፣ ናብ ጕድጓድ ከይወርድሲ፣ ንህይወት ኣድሐንካኒ።
4. ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
5. ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
6. ኣነንከ ብራህዋይ፣ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፣ በልኩ።
7. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብመጐስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፣ ገጽካ ኸወልካዮ፣ ኣነውን ሰምበድኩ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእውየ፣ ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፣ ከምዚ ኢለ፣
9. ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፣ ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፣ መሬትዶ ኺውድሰካ፣ ንሓቅኻስ ኪሰብኰ ድዩ፣
10. ዎ እግዚኣብሄር፣ ስማዕ እሞ ምሐረኒ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ረዳእየይ ኩን።
11. ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ።
12. ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ።

  Psalms (30/150)