| ← Psalms (3/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም። |
| 2. | ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ አለዉ። |
| 3. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ። |
| 4. | ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ አሎኹ፣ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ሴላ። |
| 5. | ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ አሎ እሞ ነቓሕኩ። |
| 6. | ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ። |
| 7. | ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድሕነኒ። |
| 8. | ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን። |
| ← Psalms (3/150) → |