Psalms (3/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም።
2. ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ አለዉ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።
4. ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ አሎኹ፣ ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ሴላ።
5. ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፣ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ አሎ እሞ ነቓሕኩ።
6. ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።
7. ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፣ ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ኣድሕነኒ።
8. ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን።

  Psalms (3/150)