| ← Psalms (29/150) → |
| 1. | ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ። |
| 2. | ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ፣ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ። |
| 3. | ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ። |
| 4. | ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፣ ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ። |
| 5. | ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ። |
| 6. | ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም፣ |
| 7. | ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ። |
| 8. | ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ። |
| 9. | ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፣ ንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪ፣ ይብል አሎ። |
| 10. | እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ። |
| 11. | እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርዀ። |
| ← Psalms (29/150) → |