| ← Psalms (28/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኤእዊ አሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ። |
| 2. | ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ። |
| 3. | ምስ ረሲኣንን ምስቶም ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፣ ምስ ብጾቶም ሰላም ዚዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ። |
| 4. | ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሀቦም፣ ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፣ እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም። |
| 5. | ንግብርታት እግዚኣብሄርን ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፣ ኬፍርሶም ኣይኪሀንጾምን ድማ እዩ። |
| 6. | እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ስሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዀኖ። |
| 7. | እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ አሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ። |
| 8. | እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፣ ንቕቡእውን ዕርዲ ምድሓን እዩ። |
| 9. | ንህዝብኻ ኣድሕኖ፣ ንርስትኻ ድማ ባርኰ፣ ጓስዮም፣ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም። |
| ← Psalms (28/150) → |