| ← Psalms (26/150) → |
| 1. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ብንጽህና ተመላሊሰ፣ ከይሐንኰልኩ ኸኣ ኣብ ኣግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ። |
| 2. | ዎ እግዚኣብሄር፣ መርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ። |
| 3. | ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ። |
| 4. | ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን። |
| 5. | ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ። |
| 6. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኽሰምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ። |
| 7. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኽሰምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ። |
| 8. | ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ። |
| 9. | ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ፣ |
| 10. | ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ፣ |
| 11. | ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፣ ኣድሕነኒ ምሐረኒውን። |
| 12. | እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ። |
| ← Psalms (26/150) → |