Psalms (26/150)  

1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብንጽህና ተመላሊሰ፣ ከይሐንኰልኩ ኸኣ ኣብ ኣግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ።
2. ዎ እግዚኣብሄር፣ መርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ።
3. ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ።
4. ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን።
5. ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ።
6. ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኽሰምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ።
7. ዎ እግዚኣብሄር፣ ነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበን፣ ድምጺ ምስጋና ኽሰምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፣ ንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ።
8. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ።
9. ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ፣
10. ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፣ ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ፣
11. ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፣ ኣድሕነኒ ምሐረኒውን።
12. እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።

  Psalms (26/150)